Fiction · Tigrinya

Cover image for ዱካን ተበርህ

ዱካን ተበርህ

By Beyene Haile

“ዱካን ተበርህ” by በየነ ሃይለ is a Tigrinya literary work rooted in Eritrean life, culture, and society. Through rich storytelling and reflection, the book explores human relationships, identity, love, freedom, truth, and the everyday experiences of Eritrean people.

  • fiction

Sign in to buy or read the full book and keep it in your personal library.

Free book sample

Chapter 1

1 -1- ወዲ-ሰብ ምግራም እንድሕሪ ኣጥፊኡስ ኣኺሉዎ እየ ዝብል፤ ካን ኣኺሉዎ መቓብር ጥራሕ ኢዩ ዝጽበዮ። ንግሆ፣ ገና ከይወግሐ፣ ገና ጸሓይ ሰይፈ-ጩራታታ ከይዓጠቐት፣ መሓውራት ጸሓይ ንዂናት ባናታት ሎሚስ ብዳርባዶ ብወጥሪ መንትግ ክንውርውሮም ኢሎም እናወስወሱ፣ ባዕጊጉ ከንባሁቕ ዝጀመረ ምብራቓዊ ኣድማስ ሃሳስ ገጹ እናሓበሰ፣ ኣዕዋፍ ብርሃን ዘይኣመሉ ደንጉዩ ከይበላ፣ ርቡጽ ክኵናይ ድማ መሰለይ ደንጒዩኒ ኢሉ ብንግሆኡ ከየንጸርጸረ፣ ቀቐውቲ ደራሁ ቃንአን ቀይረን ቆይቊ ከየብዝሓ፤ ኮታ ዝዀነ ፍጥረት፣ ሰብ ይኹን ዑፍ፣ ብንግሆኡ ብኹራ ክቡከር ባህ ኣይብለንን። ናይ ንግሆ ፍሽኽታ ዝመስሉዎ የለን። ኣየ’ባ ከምሕረሉ ንወዲ-ሰብ ሰሓቕ። ዋላ ንጎቦታት፣ ንጫፍ ኣግራብ፣ ንመዓሙቕ ስንጭሮታት ይኹን ንዝባን ሜዳታት፣ ንዅሎም ናይ ንግሆ ክምስታ ኢዩ ግርማኦም። ጸሓይስ እንታይ ድያ? ዘይ ዓባይ ፍሽኽታ ኢያ ንርእሳ። ካልእ እንታይ ኣሎዋ! ብኽምስታ ጀሚራ ናብ ፍሽኽታ፣ ጸኒሓ ናብ ሰሓቕ፣ ናብ ካዕካዕታ፣ ናብ ዓውታ፣ ናብ ዋዕዋዕታ። እንታይ ኣሎዋ ጸሓይ ዘይ ምቖት፣ ዘይ ሓይሊ፣ ዘይ ሓቂ! ዘይ ፍቕሪ! እንታይ ኣሎዋ ጸሓይ ዘይ ጸወታ፣ ዘይ ልግሲ! ንዓና’ሞ ከኣ ጕንዖ ኣሎዋ ኢዩ ዝብሃል፤ ምሳና ፍሉይን ጥቡቕን ዝዀነ ኣጠማምታ ከም ዘሎዋ’ሞ ምሉእ ዓዲ ምመስከረ። ኩራ ጽልኡለይ መባልዕተይ ኣይኰነን፤ ብንግሆኡ ምኒን ዝብሉ ኣይፈቱን፤ ቀልጢፎም ገጾም ዝጽውጉ የፈንፍኑኒ። ወረ ሓሬት ፍርሒ ገጾም ስግድግድ ኣቢሉ ተምላስ ኢዩ ዘምጽኣለይ። ገለ ከይኰኑ ብኽያት ወይ ኣውያት ዘስምዑ ዋላ ኣይቀድዉንን። ኣነ ሰሓቕ እየ ዝፈቱ፤ ካዕካዕ ዝብል ምድረ-ሰማይ ይብርሀኒ፤ ምናዳ- ምናዳ ንግሆ እንታይ ኢዩ ብኽያት፤ እንታይ ኢዩ ኮርፈፍ ምባል? ሰኣን ምጥማት ንምብራቕ? ሰኣን ምስትብሃል ሕዝሎ ብርሃን ኣብ 2 እንግድዓ ጎቦታት? ደርፊ ባሕሪ ከየቕነውነውካ! ምኽሪ ጎቦታት ከይሰማዕካ! ኣብ ጸልማት ፍልጠት ዝመስል ድንቁርና ተሸጒጥካ ምስቁንቋን ኢልካ ዘረባ ባህ ኣይብለንን። ናይ ብሓቂ መዓንጣ እንተ’ልዩካ፣ ነቲ ዘይተገበረ ጸድፊ እሞ ጠምቶ፣ ንዓይ ከኣ ኣብዚ ከዕርፍ ግደፈኒ... ትብል ዘላ እያ ትመስለኒ ኣዛሚት። ብርግጽ ብቓላት እንተ ዘይበለቶ ብሕልና ከምኡ ኢያ ትብል። ካልእ ክትብል ሰሚዐያ ኣይፈልጥን። ደቂስና እንከሎና እኮ ኢዩ እዚ ኩሉ ትብለኒ ዘላ መሲሉ ዝስምዓኒ፣ እምበር ገናኮ ካብ ዓራት ኣይወረድናን። ኵሉ ግብራ ዝዀነ ኣኪበ እንተ መርሚረዮ ግን ኣፋ ከይከፈተት ብጠባያ ትገልጾ ዘላ ዘረባ ኢዩ። ኣዛሚት ኣምላኺት ብርሃን ኢያ። ካብ ኣዒንታ ጩራታት ብርሃን ናብ ልቢ ሰብ ክውርወሩ እንከሎዉ ይርኣዩኒ። ገጻ ድማ ከም ዘሎዎ ምልክት ብርሃን ኢዩ። ነቲ ኣብ ጸሓይ ዝተመስረተ ጥንታዊ እምነት ኤርትራ’ያ ተዘኻኽረኒ። ሊቃውንቲ ታሪኽ ካብ ሽዑ ዝጥዕም ህይወት ኣይተራእየን ኢዮም ዝብሉ። እቲ እምነት ከመይ’ሉ ሃሲሱ ከም ዝበረሰ ገና ክምርመር’ዩ ዝብሃል። ኣብ ናይ ኣእማን ሓውልትታትን ቅርጽታትን ግን ምስሊ ጸሓይ ከም ምልክት ተኸቲሙ ክሳዕ ሕጂ ይርከብ ኣሎ። ኣብቲ ሰፊሕ ገጽ ኣእማን ምስ ወቐሩዎ ከም ስምብር ነዲሩ ኢዩ ምልክት ሰተታ ጸሓይ ዘንጸባርቕ ዘሎ። ልዕሊ ሲሶ ክቢ ቃለቤት ወርሒ ድማ ኣብ ትሕቲ ሰተታ ጸሓይ ከም ሕበጥ ተነፊሓ ትርአ። ነቲ ናይ ብርሃን ኣምላኽ ንምጽልማት ካብ ጥንቲ ክሳዕ ሕጂ ይፍተን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘሎ ድጉል ብርሃን ግን ከም ዘይሃልኽ ረመጽ ኰይኑ ስለ ዝቕጽል ናብ ሃልሃልታን ባርዕን እውን ክቕየር ይኽእል። ወርሒ ግን ምልክት ሰብ ኢዮም ዝብሉዋ። ነቲ ነናሻዕ ዝቀያየር ባህሪ ሰብ ተንጸባርቕ ይብሉ። ብዛዕባ ኣዛሚት ንምቕጻል ግን ብርሃን ሓደ ጥራሕ ክውንኖ ከም ዘይክእል ርዱእ ኢዩ። መቐመጥ ብርሃን ዝብሃል የለን፤ መንጸባረቒ፣ መንጠሪ፣ መዝለሊ ብርሃን ግን ኣይሰኣንን ኢዩ። ንብርሃን ኣብ ሳንዱቕ ክቑልፉ ዝኽእሉ ዝመስሎም ሰባት ዓያሹ ኢዮም። ኣዛሚት ንበይኑ ክውንን ዝሓስብ እንተልዩ ከኣ ብርሃን ጸሓይ ንበይኑ ዝምነ ሰብ ክኸውን ኣሎዎ። እቶም ዓበይቲ ኣእሙሮን ልቢን ዘሎዎም ኣይውነኑ፣ ኣይውንኑ ኢዮም። መቐመጥ ዕብየቶም የለን፤ መንጸባረቒ ፍቕሮም ጥራሕ ኢዩ ክርከብ ዝክኣል። 3 ብዛዕባ ንግሆ ምትንሳእ እንተ ተላዒሉ ኣዛሚት ትተንስኣዮ ዘይብል ፈላጢ የለን። ድቃስ ጸጊባ ኢያ ትትንስእ። ንዓራት ኣይትእውዶን፣ ንሱ’ውን ኣይእውዳን። ምስ ህይወት’ውን ከምኡ ኢያ፤ ኣይት…

Continue the free sample

Explore more stories

Explore more
Cover image for ከንፈር ሄርሜላFiction

ከንፈር ሄርሜላ

ኣልጌና ወልደማርያም

ፍቕሪ፣ ስምዒት፣ ገንዘብ፣ ምርጫን መስዋእትን ብሓባር ዝተጋጠሙላ ልቢ ዝትንክፍ ዛንታ። “ከንፈር ሄርሜላ ” ንሓቀኛ ፍቕሪ ዝኽፈል ዋጋ፣ ዘይተሓስበ ውሳኔ ዘምጽኦ ሳዕቤን፣ ገንዘብ ኣብ ሰብኣዊ ስምዒት ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ዝምድና ሰባት ዝፍጠር ፈተናን ዝድህስስ ልቢ ወለድ መጽሓፍ እዩ። ሄርሜላን ካልኦት ገጸ-ባህርያትን ብፍቕሪ፣ ተስፋ፣ ፈተናን ውሳኔታትን እናሓለፉ፣ ኣንባቢ ኣብ ልቦምን ህይወቶምን ዝፍጠር ለውጢ ክከታተል ይገብሮ። ፍቕሪ ቃል ጥራይ ድዩ፣ ወይስ መስዋእቲ ዝሓትት ስምዒት?

Tigrinya · Book

Explore this release

Cover image for The Modern Relationship GuideRomance

The Modern Relationship Guide

Joseph Donkoh

INTRODUCTION Understanding Healthy Relationships Love is one of the most powerful experiences in human life. It can bring happiness, companionship, emotional support and a sense of belonging. But love alone does not automatically create a healthy or lasting relationship. Many people fall in love but struggle to maintain the relationship. Why? Because a successful relationship requires more than attraction. It requires communication, trust, respect, emotional maturity, honesty, patience, understanding and consistent effort. Whether you are single and looking for the right person or already in a relationship, understanding how healthy relationships work can help you make better decisions. A relationship should not constantly leave you confused, afraid, ignored or emotionally exhausted. A healthy relationship should provide a safe environment where two people can be themselves, communicate openly, support each other and grow together. This does not mean healthy couples never disagree. They do. They have misunderstandings. They get angry. They sometimes disappoint one another. The difference is that healthy couples learn how to handle problems without destroying the relationship. This book is designed to give you practical principles that you can apply to your own love life. You will learn how to: Understand yourself before choosing a partner Recognize qualities that matter in a partner Build genuine love Develop trust Communicate effectively Handle disagreements Deal with jealousy and insecurity Establish healthy boundaries Strengthen emotional intimacy Avoid common relationship mistakes Keep love alive over time Recognize unhealthy relationship patterns Build a relationship based on mutual respect Remember: A good relationship is built, not simply found.

English · Book

Explore this release