Self-Help · Tigrinya

Cover image for «እጒሂ’ምበር፡ ተስፋስ ኣይቆርጽን’የ!

«እጒሂ’ምበር፡ ተስፋስ ኣይቆርጽን’የ!

By ሚኪኤል ኣዳም

ንፍቕሪ፣ ስነ-ልቦና፣ ስነ-ሓሳብን ፖለቲካን ዝትንክፉ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ዝሓቘፈ መጽሓፍ እዩ። ንህይወት ብተስፋ፣ ብትብዓትን ብኣወንታዊ ኣተሓሳስባን ክንርእያ ዘተባብዕ መጽሓፍ እዩ።

  • self-help

Sign in to buy or read the full book and keep it in your personal library.

Free book sample

Reading section 1

እጒሂ’ምበር ተስፋ ኣይቆርጽን’የ! 1 . . . እጒሂ’ምበር፡ ተስፋስ ኣይቆርጽን’የ! ሚኪኤል ኣዳም ሚኪኤል ኣዳም ጸሓፊ ብቓላቱ እዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ሕብረ-ብዙሓዊ ትሕዝቶ ኣለዎ። ንፍቕሪ፡ ስነ-ልቦና፡ ስነ-ሓሳብ፡ ፖለቲካ ወ.ዘ.ተ ዝትንክፉ ጽሑፋት ዘጠቓለለ መጽሓፍ። እቶም ጽሑፋት፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተጻሕፉ ኰይኖም፡ ገሊኣቶም ኣብ ጋዜጣ ንኽወጹ ብምባል ዝጸሓፍክዎም፡ ገሊኣቶም ድማ ንዓይ ንመዘኻኸሪ ክዀኑኒ ብምባል ኣብ መዘክር ዝሓናጠጥክዎም’ዮም። ክቡር ኣንባቢ፡ ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ኣብ ኢድካ ኣንቢረያ ኣለዂ’ሞ፡ ክትረብሓላ እምነ። ንሃናጺ ርእይቶኻ ድማ እጽበ። ንዂሎም’ቶም እዛ መጽሓፍ ክውንቲ ንኽትከውን ዝጸዓሩን ዝጸዓቱን ድማ አመስግን። ሚኪኤል ኣዳም ታሕሳስ 2017 ኣስመራ እጒሂ’ምበር ተስፋ ኣይቆርጽን’የ! 3 ህይወት ‘ሓንሳእ ኢኻ እትነብር፡ ነታ ሓንሳእ እትነብራ ግን፡ ብግቡእ ክትነብራ እንተኺኢልካ እኽልቲ እያ።’ ጆ.ኢ.ልዊስ “እዚ ግዜ ከመይ ኢሉ እዩ ዝጎዩ ዘሎ፧” ብዙሕ ሰብ ብምግራም ዝሓቶ ሕቶ እዩ። እዚ ሕቶ ከይተመልሰ ድማ፡ መዓልታት ተደሚሮም ዓመታት ይኾኑ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ክሳራ ወይ’ውን ምንጪ ዘይነጽፍ ዕጋበት ኮይና ሓንሳእን ንሓዋሩን ክትሓልፍ ትኽእል። ምሸት ኣብ መዳቅሶኻ ተጋዲምካ፡ ነታ ዝሓለፈት መዓልቲ ኣመልኪትካ ነብሰ-ገምጋም ኣብ እትገብረሉ እዋን፣ “ ተጨኒቀ፣ ብስራሕ ተጸሚደ ውዒለ ግና’ኸ ሓንቲ’ካ ኣየድማዕኩን፣ ዘሐጉስ ነገር ኣይረኸብኩን……ወዘተ” ኢልካ እንተደኣ ደምዲምካ፡ ገለ ክፋል ህይወትካ ‘ብላሽ’ ጠፊኡ’ሎ ማለት ኣዩ። ሓደ ሓደ ግዚያት፣ ተወሳኺ ግዜን ገንዘብን ወይ’ውን ዝሓሸ ኩነታት መነባብሮ ክሳብ እንረክብ ብምባል፡ ክንሕጎሰሉ ዝግባኣና ጊዜ ነባኽን ኢና። እዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ግና ኣዕናዊ እዩ። እቲ እንደልዮ ዘለና እንተዘይረኸብናዮ፡ ወይ’ውን ደንጒና እንተረኺብናዮስ እንታይ ኮን ክስማዓና ይኸውን፧ ስለ’ዚ ነዚ ዘለናዮ ጊዜን ኩነታትን ክንቅበሎ ይግበኣና’ዩ። ነዛ ሕጂ ዘለናይ ደቒቅ፣ ከምዛ ዘለናያ ኮይንና ክንቅበላ ኣዝዩ ዘድሊ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ደቒቅ’ዚኣ ዋግኣ ክትመን ክሳብ ዘይከኣል ክብርቲ እያ። ሓንሳብ ምስ ከደት ዳግም ዘይትምለስ ብምዃና’ያ ክብርቲ ዝኾነት። ኣብተን ኣብ’ዛ ምድሪ እንጸንሓለን ሒደት ግዚያት፡ ዝበለጸ ህይወት ከነሕልፍ ዘኽኡሉና ብዙሓት መገድታት ኣለው። ሚኪኤል ኣዳም “ኣብ’ዚ ወለዶ’ዚ ካብ ዝተረኽቡ ዓበይቲ ርኽበታት፣ እቲ ዝበለጸ ርኽበት፣ እቲ፡ ‘ደቂ ሰባት ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣረኣእያ ብምስትኽኻል ንህይወቶም ክቅይሩ ይኽእሉ‘ዮም’ ዝብል እዩ።” ዊልያም ጀምስ (1842-1910) ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንገዛእ ርእስናን ካልኦትን እነሐጒሰሉ ጊዜ ክንምድብ ይግባኣና። ኣግራብ፣ ግርሁታትን ኣኽራናትን ንተዓዘብ’ሞ ንጽባቕኦም ነስተውዕለሉ። ንሽታን ጽባቐን ዕምባባታት ነስተማቅሮ፣ ንመዝሙር ኣዕዋፍ ጽን ንበሎ፣ ንደመናታት ሰማይ ከኣ ንተዓዘቦም። ‘ዋላ’ውን ድሕሪ’ዚ ምመስተንክር ዝኾነ ስነ-ፍልጠታዊ ርኽበታት፡ እዛ እንነብረላ ዓለም፡ ነቲ ብዛዕብኣ እዕሚቑ ዝሓስብ ሰብ፡ ተኣምር፣ ጽብቅትን መሳጢትን’ያ።’ ቶማስ ካርለይ(1795~1881) ንጸገማትና ብመንፈዓትናን ብርእሰ ተኣማንነትን ንግጠሞም። ሕጂ ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ ኣተሓሳስባ፣ መነባብሮ፡ ጽፍሒ ወዘተ ንሃሉ ብዘየገደስ ንኩነታትና ከነመሓይሽ ንጽዓር። ጽቡቕ ንክስመዓካ ሕያዋይ ኩን። ንጡፍ ኩን እሞ ንኣእምሮኻ ኣማዕብሎ። ሰሓቕ፡ ተዛነ ጥዑም ድቃስ ከኣ ደቅስ። “ህይወት ልክዕ ከም ዓፍራ እያ። ክልተ እምነ -ኩርናዕ ግን ኣለዋኣ። ንሳተን ድማ፣ኣብ ናይ ካልኦት ጸገም ለውሃት፡ ኣብ ጸገምካ ከኣ ትብዓት እየን።” ኣዳም ጎርደን(1833~1870) ‘መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ብዙሕ ነገራት ክውንኑ ወይ’ውን ብዙሕ ገንዘብ ክረኽቡ’ሞ፡ ነቲ ዚደለይዎ ክገብሩ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ሕጉሳት ክኾኑ እጒሂ’ምበር ተስፋ ኣይቆርጽን’የ! 5 ይፍትኑ። እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ’ዩ። መጀመርታ ንገዛእ ርእስኻ ምሰል፣ብድሕርዚ እቲ ክትገብሮ ዝግባኣካ ግበር እሞ እቲ እትደልዮ ድማ ክትረኽቦ ኢኻ።” ያንግ “ዘይተፈተነት ህይወት፡ ንኽትነብራ ኣይተስተስልን’ያ።” ሶቅራጦስ ንጽጉማት፡ እቲ ክትገብረሎም ዝከኣለካ ግበረሎም። እትህቦም ንዋታውን ገንዘባውን ዓቕሚ እንተዘይብልካ ድማ ተኻፋሊ ጸገሞም ምዃንካ ግለጸሎም። ለውሃት፣ ናይ ኻል…

Continue the free sample

Explore more stories

Explore more
Cover image for ከንፈር ሄርሜላFiction

ከንፈር ሄርሜላ

ኣልጌና ወልደማርያም

ፍቕሪ፣ ስምዒት፣ ገንዘብ፣ ምርጫን መስዋእትን ብሓባር ዝተጋጠሙላ ልቢ ዝትንክፍ ዛንታ። “ከንፈር ሄርሜላ ” ንሓቀኛ ፍቕሪ ዝኽፈል ዋጋ፣ ዘይተሓስበ ውሳኔ ዘምጽኦ ሳዕቤን፣ ገንዘብ ኣብ ሰብኣዊ ስምዒት ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ዝምድና ሰባት ዝፍጠር ፈተናን ዝድህስስ ልቢ ወለድ መጽሓፍ እዩ። ሄርሜላን ካልኦት ገጸ-ባህርያትን ብፍቕሪ፣ ተስፋ፣ ፈተናን ውሳኔታትን እናሓለፉ፣ ኣንባቢ ኣብ ልቦምን ህይወቶምን ዝፍጠር ለውጢ ክከታተል ይገብሮ። ፍቕሪ ቃል ጥራይ ድዩ፣ ወይስ መስዋእቲ ዝሓትት ስምዒት?

Tigrinya · Book

Explore this release

Cover image for Break Free From DiabetesSelf-Help

Break Free From Diabetes

E. M. Ebenezer

You've been told to avoid the foods you grew up eating. You've read diet plans built around ingredients you can't find at your local market. You've felt like managing diabetes means giving up your culture, your kitchen, and your peace of mind. It doesn't. Break Free From Diabetes is a practical, honest guide to managing your blood sugar using the foods, habits, and everyday realities of life in Nigeria and across Africa. No imported superfoods. No expensive gym memberships. No guilt. Inside, you'll find: How diabetes actually works in your body, explained in plain language Which African foods help lower blood sugar — beans, ugu, okra, unripe plantain, and more A full 14-day meal plan and simple, affordable recipes you can start cooking tonight How to manage this condition on a real-world budget, without skipping medication or care Practical tools for movement, sleep, stress, and family meals that actually fit your life Straight talk on working with your doctor, understanding your numbers, and reading food labels Real, relatable stories of people navigating this same journey Your diabetes doesn't have to run your life. Let's break free.

English · Book

Explore this release