Fiction · Tigrinya

Cover image for ከንፈር ሄርሜላ

ከንፈር ሄርሜላ

By ኣልጌና ወልደማርያም

ፍቕሪ፣ ስምዒት፣ ገንዘብ፣ ምርጫን መስዋእትን ብሓባር ዝተጋጠሙላ ልቢ ዝትንክፍ ዛንታ። “ከንፈር ሄርሜላ ” ንሓቀኛ ፍቕሪ ዝኽፈል ዋጋ፣ ዘይተሓስበ ውሳኔ ዘምጽኦ ሳዕቤን፣ ገንዘብ ኣብ ሰብኣዊ ስምዒት ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ዝምድና ሰባት ዝፍጠር ፈተናን ዝድህስስ ልቢ ወለድ መጽሓፍ እዩ። ሄርሜላን ካልኦት ገጸ-ባህርያትን ብፍቕሪ፣ ተስፋ፣ ፈተናን ውሳኔታትን እናሓለፉ፣ ኣንባቢ ኣብ ልቦምን ህይወቶምን ዝፍጠር ለውጢ ክከታተል ይገብሮ። ፍቕሪ ቃል ጥራይ ድዩ፣ ወይስ መስዋእቲ ዝሓትት ስምዒት?

  • fiction

Sign in to buy or read the full book and keep it in your personal library.

Free book sample

Reading section 1

[1] ከንፈር ፍቕራዊት ልቢ ወለድ ዛንታ ሄርሜላ * ‘ኣሜሪካውያን ንኣንጀሊና ጆሊ ዘድንቁ፡ ንኤርትራዊት ሄርሜላ ስለዘይርኣዩ እዮም!’ ‘ኮኾብ PRISON BREAK ማይክል ስኮፊልድ፡ ቕዳሕ ኢዮብ’ዩ!’ * ‘ንሞናሊዛ ዝቐብአ ሌናርዶ ዳቪንቺ፡ ፈጣሪ ንሄርሜላ ከም ዝሰርሐ ክፈልጥ ኣለዎ!’ ‘ኢዮብ ናይ ፍቕሪ ኣርሰን ቨንገር’ዩ!’ [2] ‘ምናልባት እዚኣ እታ ንትሮይን ስፓርታን ዘናቖተት ሄለን ክትከውን ኣለዋ!’ ብኣልጌና -ወልደማርያም መእተዊ ክቡር ኣንባቢ፡ እዛ ከተንብባ ትዳሎ ዘለኻ መጽሓፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ ህይወትን ጾታዊ ፍቕርን ዝያዳ እተተኲር ልበ-ወለዳዊት መጽሓፍ’ያ። ንፍቕርን ጓል ኣንስተይትን ከም ኣቕሓ ብገንዘብ ክትዕድጎም ምፍታን፡ ብዘየለ ቓላት ነብስኻ ከተቖናጁ ምፍታንን ዓስቡን፡ ዘይበሰለ ህዉኽ ውሳኔታት ዘስዕቦ ሓደጋን መዘዙን፡ ናይ ቐልዲ ፍቕሪ ኣንፈቱ ስሒቱ ሓቐኛ ስምዒት ክፈጥር፡ ህይወት ሃብታማት ዝጎዩላ ድኻታት ዝዕዘቡላን መድረኽ ጌርካ ምሕሳብን ጸገማቱን፡ ኲናት ውሽጢ ንደገ ወጽዩ ርእሱ ዝኸኣለ ሳዕቤን እንከኸትል፡ ተበዳሊ ሕነኡ ክፈዲ ሃነፍነፍ ክብል ዝግድዶ ጠንቒን ውጽኢቱን፡ ኣብ ልቢ ሰባት ክፍኣት ዘሪእካ ሓጥያት ከተቡቚል ምፍታን ዝህቦ ጻማ፡ ፍቕሪ ገንዘብ ንሕልና ኣዕዊሩ ኣራዊት ክልወጥ ከም ዝኽእል ዝገሃደሉ ተርእዮ፡ ሕልሚ ሰባት በቲንካ ውልቓዊ ረብሓኻ ክትሃንጽ ምፍታን ዝህቦ ውጽኢት፡ ንሓቐኛ ፍቕሪ ዝግባእ መስዋእትን ትብዓትን፡ ኣብ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣቶኲራ ዘላ መጽሓፍ’ያ። ክቡር ኣንባቢ፡ ሰላም ሰባት ዘሪግካ፡ ሰላምካ ምውሓስ ምጽዓር ልቦና’ዶ ዕሽነት? ገንዘብ ወረቐት ክንሱ፡ ከም ፈጣሪ ኣምለኽቲን ሰዓብትን ከጥሪ ዝኸኣለሉ መኽንያት እንታይ’ዩ? ብዋጋ ሰባት ዝዕደግ ክብሪ ዕድመ ክህልዎ ድዩ? ዓይኒ ሕልናኻ ዓሚትካ ዓይንኻ ቛሕ [3] ምባል፡ ካብ ዓይነ ስዉር በየናይ መለክዒ የፍልየካ? ናይ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት መልሲ ኣብዛ መጽሓፍ ኣሎ። ክቡር ኣንባቢ፡ ካብ’ታ ኣብ 2014 ዘሕተምክዋ ‘ምጾታት ፍቕሪ!’ ዘርእስታ ቦኽሪ መጽሓፈይ፡ ብዙሕ ከም ዝተመሃርኩ እምነት ኣሎኒ። ኣብ ስርሓተይ ተኣማንነት ከሕድርን፡ ንዝበለጸ ስራሕ ክጽዕርን፡ ቐዳመይቲ መጽሓፈይ ልዑል ኣበርክቶ ነይርዋ። እዛ ናብ ኣንበብቲ በቒዓ ዘላ ካልአይቲ መጽሓፈይ ከኣ፡ ነቶም ካልእ መጽሓፍ ንክሰርሕ ዘበጋገሱንን ዘበራቱዕንን ደገፍተይ ህያብ ትኹነለይ። ክቡር ኣንባቢ፡ ኣብ መወዳእታ ብመንገዲ ንባብ ናብ መጽሓፈይ ክትገይሽን፡ ዑደት ክትገብርን ብኽብሪ ይዕድመካ። ምስ’ዚ ፈጢረዮ ዘለኹ ልቢ ወለድ ግን ከኣ ካብ ክውንነት ዘይርሓቐ ዛንታይ ተላለ። ትሕዞ ሒዝካ ብጽሓኒ ከይመስል ዘረባይ። ኣንብበኒ’ሞ፡ ንባብካ ከኣ ንገረኒ። ንዝህልወካ ርእይቶ ብሃንቐውታ ከም ዝጽበ፡ ጌና ንባብ ኣብ ምጅማርካ ከፍልጠካ እደሊ። ሰናይ ንባብ! ደራሲ- ኣልጌና ወልደማርያም ቚ.ስልኪ -07486152 ምስጋና! ብሓፈሻ ንኩሎም እቶም እዛ ስራሕ ኣብ መፈጸምታ ንኽትበጽሕ ዝተሓባበሩኒ ውልቐ ሰባትን ትካላትን፡ ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ገለ ካብኦም ንምጥቓስ ከኣ፡ ብኮምፒተር ንዝጸሓፋለይ ኤደን ዓንደን ልዋም ኣስገዶምን፡ ናይ ገበር ኣርትዖት [4] 1 1.A. ‘ንክምስታ ስኒት ከም መደንዘዚ ተጠቒምካ፡ ንኣወዳት መጥባሕቲ ከተካይደሎም እከኣል’ዩ! ’ [5] ካብታ ዝተሳፈረላ ኣውቶቡስ ምስ ወረደ፡ ልዕሊ ንቡር ክፈጥን ተራእየ። ናብ ዝተመደቦ ቦታ ስራሕ ክበጽሕ’ዩ ዝህንደድ ነይሩ። ካብ ኮሌጅ ምስ ተመረቐ ብኣልጒሎት ከም መምህር ኮይኑ’ዩ ዝሰርሕ። ጌና ኣብ ዝምህረሉ ቦታ ስለዘይበጽሐ፡ ካብተን ኣብ ብሎኮ ዝነበራ ምኒባሳት ክሳፈር ነይርዎ። እተን ሚኒባሳት ተተበጊሰን ኣመና ቁልጡፋት ሙዃነን እኣምን’ዩ። እቲ ጸገም ክሳብ ዝመልኣ ዝወስድኦ ግዜ’ዩ። ዕድል ገይሩ ንኽትመልእ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝተረፋ ሚኒባስ ክረክብ ተሃንጠየ። ዕድል ኣይገበረን። ተረኛ ሚኒባስ ካብ ሓሙሽተ ዘይሓልፉ ሰባት ጥራይ’ያ ጽዒና ጸኒሓቶ። ምስ ክቱር ሕርቓኑ ድማ ብቕድሚት ቦታ ስለዝረኸበ ተሳፈረ። ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክጽበ ከምዝኾነ ከይፈለጠ፡ ብውሽጡ ተረበሸ። ነታ ሚኒባስ ዝመልኡ ተማሃሮ ቀልጢፎም ክመጹሉ ተረበጸ። “ሰላም ዝወደይ።” ኣብ ሓሳብ እንከሎ ብደገ ሓንቲ ሰበይቲ ክትደሃዮ ሰምዐ። መገዲ ኣርበዓታት ዘፋረቐት ወይዘሮ’ያ። “ሰላም ማማ!” ቬትሮ እታ መኪና ተራሕዩ ስለዝነበረ፡ ብዘይ ጸገም ክረ…

Continue the free sample

Explore more stories

Explore more
Cover image for The Modern Relationship GuideRomance

The Modern Relationship Guide

Joseph Donkoh

INTRODUCTION Understanding Healthy Relationships Love is one of the most powerful experiences in human life. It can bring happiness, companionship, emotional support and a sense of belonging. But love alone does not automatically create a healthy or lasting relationship. Many people fall in love but struggle to maintain the relationship. Why? Because a successful relationship requires more than attraction. It requires communication, trust, respect, emotional maturity, honesty, patience, understanding and consistent effort. Whether you are single and looking for the right person or already in a relationship, understanding how healthy relationships work can help you make better decisions. A relationship should not constantly leave you confused, afraid, ignored or emotionally exhausted. A healthy relationship should provide a safe environment where two people can be themselves, communicate openly, support each other and grow together. This does not mean healthy couples never disagree. They do. They have misunderstandings. They get angry. They sometimes disappoint one another. The difference is that healthy couples learn how to handle problems without destroying the relationship. This book is designed to give you practical principles that you can apply to your own love life. You will learn how to: Understand yourself before choosing a partner Recognize qualities that matter in a partner Build genuine love Develop trust Communicate effectively Handle disagreements Deal with jealousy and insecurity Establish healthy boundaries Strengthen emotional intimacy Avoid common relationship mistakes Keep love alive over time Recognize unhealthy relationship patterns Build a relationship based on mutual respect Remember: A good relationship is built, not simply found.

English · Book

Explore this release